ሰማይ...

experiment on ethiopian tigrinya music

July 13th, 2024suno

Lyrics

ኩሉ ሓላፋይ'ዩ ኢለ ገሚተ ስግር ጋሻ ውሕጅ ጠሚተ እጽዕር ኣለኹ ብተስፋ ነዛ ሕማቕ እዋን ክሓልፋ እጽዕር ኣለኹ ብዓቕመይ ቃልሲ'ስ መናብርተይ ናይ ቀደመይ ንግዚኡ'ኳ እንተሓየለኒ እስዕሮ እምበር ኣይስዕረንን ጸገመይ ተስፋ'ዩ ደገፈይ ተስፋ እዩ ሓይለይ ደጋጊመ እጽዕር ክሳብ ዝሰምረለይ ይጥዓም ይሕሰም ፍሽኽታ ኣመለይ ፍሽኽታ ኣመለይ ኩሉ ጸይረ'የ ፍሽኽታ ኣመለይ ፍሽኽታ ኣመለይ ይጥዓም ይሕሰም ፍሽኽታ ኣመለይ ፍሽኽታ ኣመለይ ኣይሕለልን ክሳብ ዝሰምረለይ ፍሽኽታ ኣመለይ እስዕሮ እምበር ኣይስዕረንን ጸገመይ ናብራ ከቢዱኒ እንዳማረርኩ ጥዕና ዘይብሉ ምስ ረኣኹ ኣጸናኒዐያ ንነብሰይ ኣረጋጊአዮ መንፈሰይ ለካ ወሃቢ እምበር ኣይኮንኩን ሓታቲ ተጸባዪ ኣይኮንኩን ተመጽዋቲ ጥዕና ኣይትኽልኣኒ ምስ ተስፋ እምረር እምበር ህይወት ከሰንፋ ሙኻነይ እነኹ ኣሚነ ዝሓዝክዎ ሒዘስ ኣመስጊነ ፍሽኽታ ኣመለይ ኩሉ ጸይረ'የ ፍሽኽታ ኣመለይ ፍሽኽታ ኣመለይ ይጥዓም ይሕሰም ፍሽኽታ ኣመለይ ፍሽኽታ ኣመለይ ኣይሕለልን ክሳብ ዝሰምረለይ ፍሽኽታ ኣመለይ እስዕሮ እምበር ኣይስዕረንን ጸገመይ ዘመስግን'ዩ ዕጉስ ዝዕገስ'ዩ ሓያል ዘዋህልል'ዩ ለባም ይኣኽለኒ ምባል ዝፈልጥ'ዩ ሃብታም ክበሃል ሰሚዐ እንተስ ኣሚነሉ እንተስ ክጸናናዕ ግን ተሰማሚዐ ድሓን ክሓልፍ'ዩ እንዳበሉኒ እኳ ብዓይነይ ርእየ ኣቤት እወ ክንደይ ድዩ ሓሊፉ ተስፋ'ዩ ደገፈይ ተስፋ እዩ ሓይለይ ደጋጊመ እጽዕር ክሳብ ዝሰምረለይ ይጥዓም ይሕሰም ፍሽኽታ ኣመለይ ፍሽኽታ ኣመለይ ኩሉ ጸይረ'የ ፍሽኽታ ኣመለይ ፍሽኽታ ኣመለይ ይጥዓም እሕሰም ፍሽኽታ ኣመለይ ፍሽኽታ ኣመለይ ኣይሕለልን ክሳብ ዝኾነለይ ፍሽኽታ ኣመለይ እስዕሮ እምበር ኣይስዕረንን ጸገመይ ኩሉ ሓላፋይ'ዩ ኢለ ገሚተ ኪኖ ጋሻ ውሕጅ ጠሚተ እጽዕር ኣለኹ ብተስፋ ነዛ ሕማቕ እዋን ክሓልፋ እጽዕር ኣለኹ ብዓቕመይ ቃልሲ'ስ መናብርተይ ናይ ቀደመይ ንግዚኡ'ኳ እንተሓየለኒ እስዕሮ እምበር ኣይስዕረንን ጸገመይ እወ ሙኻን ሕስብ ተበልክዎ ስፍሓት ህይወት ከም ዝተረዳእክዎ ነቲ ጽቡቕ ዝበለጸ 'ለዎ ነቲ ሕማቕ ዝበኣሰ 'ለዎ ነቲ ጣዕሚ ዝጠዓመ 'ለዎ ነቲ ሕሰም ዝመረረ 'ለዎ ጫፍ ጽቡቕን ሕማቕን ዓቂነ ከለልዮ ወላ እንተፈቲነ ኣበይ ከይክእሎ ኣነ ሰብ 'ዚ ኣነ ፍሽኽታ ኣመለይ ኩሉ ጸይረ'የ ፍሽኽታ ኣመለይ ፍሽኽታ ኣመለይ ይጥዓም ይሕሰም ፈገግታ ኣመለይ ፍሽኽታ ኣመለይ ኣይሕለልን ክሳብ ዝምሰለለይ ፍሽኽታ ኣመለይ እስዕሮ እምበር ኣይስዕረንን ጸገመይ ዓለም ከም ባሕሪ'ያ ከም ዝበሃል ክሕምብስ ዘይክእል ንኸይጥሕል ሓቢርና'ዶ ጸገምና ነቃልል ክንበላሓት ዝያዳ ክንጋደል ስለ'ቲ ሽግር ትወልዳ ንጥበብ ብኣካል ብመንፈስ ንራኸብ ህይወት ከነማሓይሽ ክንላዘብ ተስፋ'ዩ ደገፈይ ተስፋ እዩ ሓይለይ ደጋጊመ እጽዕር ክሳብ ዝምሰለለይ ይጥዓም ይሕሰም ፍሽኽታ ኣመለይ ፍሽኽታ ኣመለይ ኩሉ ጸይረ'የ ፍሽኽታ ኣመለይ ፍሽኽታ ኣመለይ ይጥዓም ይሕሰም ፍሽኽታ ኣመለይ ፍሽኽታ ኣመለይ ኣይሕለልን ክሳብ ዝሰምረለይ ፍሽኽታ ኣመለይ እስዕሮ እምበር ኣይስዕረንን ጸገመይ ክሳብ ዝኾነለይ ክሳብ ዝሰምረለይ ውቅያኖስ'ዩ ዓቕለይ ትስፉው'ዩ ጠመተይ ኣይዕገትን'የ ሰማይ'ዩ ደረተይ ክሳብ ዝኾነለይ ክሳብ ዝሰምረለይ ኣይጽንቀቕን'ዩ ሓይለይ ትስፉው'ዩ ጠመተይ ኣይሕለልልን ሰማይ'ዩ ደረተይ ሰማይ... ሰማይ ሰማይ ሰማይ ሰማይ'ዩ ደረተይ ክሳብ ዝኾነለይ ክሳብ ዝሰምረለይ ውቅያኖስ'ዩ ዓቕለይ ትስፉው'ዩ ጠመተይ ኣይዕገትን'የ ሰማይ'ዩ ደረተይ ክሳብ ዝኾነለይ ክሳብ ዝሰምረለይ ኣይጽንቀቕን'ዩ ሓይለይ ትስፉው'ዩ ጠመተይ ኣይሕለልልን ሰማይ'ዩ ደረተይ ሰማይ... ሰማይ ሰማይ ሰማይ ሰማይ'ዩ ደረተይ ክሳብ ዝኾነለይ ክሳብ ዝሰምረለይ ውቅያኖስ'ዩ ዓቕለይ ትስፉው'ዩ ጠመተይ ኣይሕለልን'የ ሰማይ'ዩ ደረተይ ሰማይ... ሰማይ ሰማይ ሰማይ ሰማይ'ዩ ደረተይ

Recommended

WILDFLOWER
WILDFLOWER

Dj, remix, dubstep, edm, bass, female vocals,

帰り道はどこ?
帰り道はどこ?

Miku voice, city pop, vocaloid

The End of This Journey
The End of This Journey

Slow, EDM, Quiet, Sunset, Sad, Female Vocal, Sad

Исследователь нейросетей
Исследователь нейросетей

поп электронный мелодичный

火星人 02(星球配樂)
火星人 02(星球配樂)

upbeat electronic playful

Weaponized Minds 1A
Weaponized Minds 1A

Trap Hop Hooded Gregorian chant Dark flowing monophonic Progressive Trance Insane Bass Drops Break Beat

Photosynthesis Jam
Photosynthesis Jam

Scientific, speech, autontune, scientist, learning, schooling, educational

Cosmic Symphony
Cosmic Symphony

trance, psychedelic trance, psytrance, full-on psytrance, progressive psytrance, melodic, vocals, goa trance

Tempest's Soul
Tempest's Soul

electro house,future rave,electropop,dance-pop,tech house,festival progressive house,progressive house,electronic dance music,house,electronic,trip hop,energetic,party,repetitive,playful,nocturnal,eclectic,rhythmic,lush,futuristic,mechanical

Ennen Oli Parempi
Ennen Oli Parempi

90's suomipunk, Live music arena performance

Goodbye, My Friend
Goodbye, My Friend

electronic house electro synth 80s female vocals

 YouTube:@Ai_Music-je3kk
YouTube:@Ai_Music-je3kk

Melancholic Dance Pop, Bass Drop, electropop, electro, electronic,

Without You
Without You

pop electronic chill

Beauty in the Eye
Beauty in the Eye

piano, female, synthwave

Fryer Fury
Fryer Fury

instrumental,rock,metal,heavy metal,hard rock,heavy,aggressive,progressive rock,1980s